Sunday, August 31, 2014

ሕጋጋት ፋውንደሽን ገብረኪዳን


Fondation Gebrekidan
17 May 2005




ትካል ግብረ ሰናይ ገብረኪዳን ጎደፋ
ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ትካል ገብረ ሰናይ
ከተማ ጀነቭ ሃገረ ስዊዘርላንድ









ሕጋጋት
17 ጉንቦት 2005 ዓ.ም
ብኣቶ ክርስቲያን ተርየር ናይ ሕጊ ኣውዓዓሊ ኣብ ከተማ  ሎዛን




 
          
ትካል ግብረ ሰናይ ገብረኪዳን ጎደፋ
መእተዊ
1.   ተዋህዶ ኤርትራ- ሓበሻዊ ስልጣነ ዘርእስቱ መጽሓፍ ካብ ብሉይ ኪዳን ዝተመሓላለፈ ማሕበራውን ባህላውን ውርሻ ዘንጸባርቅ እዩ። ቤተ ክርስትያን ተውህዶ ኤርትራ እታ ጥንታዊት ኣብ ኣምልኮ ሓደ ኣምላክ ዝተመስረተት ሃይማኖት እያ። ካልኦት ሃይማኖታታ ከም ሃይማኖት ካቶሊክን ከኒሻን ኣብ ከበሳ ኤርትራ ካብኣ ዝበቖላን ሞራላውን ማሕበራውን ትሕዝቶአን ካብኣ ዝወረሳ እየን እዙይ ከኣ እዩ ኣደ ሃይማኖታታ ኣብ ኤርትራ ዝገብራ።
2.   ተዋህዶ ዝብል ስያሜ መጸውዒ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነ ሂወት ኤርትራውያን ዝሰርዕን ፍልልያቶም ብዘየገድስ ዘውሃህድን ሓይሊ እዩ።
3.   ማህደረ መነካሳትን ደናግልን (ገዳማት) ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝተጸመዱ ሰባት ዝነቡሩን ሞራላውን ሃይማኖታውን ኣስተምህሮ ዝህቡሉ ቦታ ኮይኑ ሓሓሊፋ ጥዕናውን ክብ ዝበለ ትምህርትን ዝወሃበሎም ቦታታት እዮም። ካሃናት ሃይማኖት እንዳኣስተማሃሩ እዮም ዝነብሩ ብፍላይ ኣብ ገጠራት።
4.   ተዋህዶ ኣብ ዓድታታ ዝርከቡ ውሉደ ካህናት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ ሞራላውን መንፈሳውን ቅሳነት ንህዝቢ ዘበርክቱ እዮም።
ስለዚ ተራ ማህደረ መነኮሳትን ደናግልን ኣብ ማሕበረ ሰብ ምስ ትምህርትን ግስጋሰን ዘቃዱምበር ዘጋጩ ኣይኮነን።
ኣብ ምዕራባውያን ዓለም እንተኣስተብሃልናውን ትካላት ሃይማኖት ሚሲዮናት ሰሚናርዮት ኣብ መጀመርያ ኣብ ውሱን ናይ መንፈስን ቴሎጅን ዝተሓጽረኳ እንተነበረ ደሓር ግን ምስ ግዜ ናይ ዘርአ ክህነት ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሑ ክኢሎም። ከም በዓል ሃርበርድ ዩኒቨርስቲ ዓበይቲ ተቖማት ትምህርቲ ኣብ ኤውሮጵውያን ብጥንቲ ፈለምቲ ዘርአ ክህነት ከምዝነበራ እዩ ዝነግረና።
ሎማ ናይ ቁምስና ቤት ትምህርቲ ውን እንተኾነ ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ደረጃ ንሚልዮናት ተመሃሮ ኣገልግሎት ይህባ ኣሎዋ ንሳተን ብዓለማውያን ኣስተምሃርትን መንግስታዊ ስርዓተ ትምህርትን ዝክተላ እየን።
ብርእይቶና ገዳማት ኤርትራ ብዓሰርተታታ ደብተራታትን ኣባላት ቤተ ክህነትን ኣብ ገጠር ዘሎው እንዳተደረፈ ትምህርቲ ብዕምቄትን ብምዕቡልን ኣብ መንግስታዊ ደረጃ ከብጽሐን ዓብይ ኣስተዋጽኦ ክገብር ተኽእሎ ኣሎዎን በሃልቲ ኢና።
እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ብማህደረ መነኮሳት ምስ መንግስቲ መዝነት ዝለበሱ ሰባት ጥብቅ ዝበለ ዝምድና ስራሕ ብምምስራት ንመንእሰያት ኤርትራ ክእለት ምጽሓፍን ምንባብን ቁጽርን ኣብ ምስልጣን ወሰንቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብኡኡ ኣቢሎም ከኣ ነኣኣቶም ዕድል እንተተዋሂብዎም ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምቕጻል ተውህቦ ዘለዎም መንእሰይ ንምልላይ ምኽኣልውን ተኽእሎ ክህሉ ይኸእል እዩ። ተስፋይ ኣብ መጻኢ ግዜ ሓለፈቲ ሃይማኖታውያን ቤት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብምዝታይን ብምቅርራብን በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዩም ዛዕባታትን ዕላማታትን ንምትግባር ውጽኢታዊ ምንቅስቀሳት ከካይድ እዩ።
ብወገን እዛ ትካል ግብረ ሰናይ ገብረኪዳን ኣሉላ  ነቲ ኘሮግራም ንምትግባር ዘድሊ ነገራዊ መሳለጢ ኣብ ምድላውን ምቕራብን ናይ ኪኢላታት ኣገልግሎት ኣብ ምውፋይን ቅሩባት ምኳናን ንገልጽ።


1.  መግለጺ
ኣወዓዓሊ ትካል ግብረ ሰናይ ገብረኪዳን ጎደፋ  ብኣንቀጽ 80 ናይ ስዊዝ ብሄራዊ ሕጊ ምቆሙ የራጋግጽ።
II. ሕጋጋት
መስራቲ ነዚ ትካልዚ ዝምልከቱ ሕጋጋት ከቕርቡ እዮም። ቅዳሕ ናይ እቶም ሕጋጋት ብኽታሞም ኣጽዲቖምን ሕጋውነት ኣልቢሶምን ምስ እዚ ጽሑፍዚ ሓባሪ ብምግባር ከቕርቡ እዮም (ሓባሪ ቁ.1)
ትሕዝቶ ናይቶም ሕጉጋት ስም ትካልን ዕላምኡን ርእሰ ማሉን አቓውምኡን ኮይኑ ቀጺሉ ይጥቀስ
ዓንቀጽ 1
ስምን እቲ ትካል ዝጸንሓሉን ግዜን
ትካል ግብር ሰናይ ገብረኪዳን
ብመሰረት እዚ ጽሑፍ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ትካል ግበረ ሰናይ ከምብሕታዊ ትካል ንትርፊ ወይ መኽሰብ ዘይቆመ ሰናይ ተግባራት ዝዕላምኡ በዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ሕጋጋት ዝምራሕን ብኣንቀጽ 80 ናይ ብሄራዊ ሕጊ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዘመሓደርን ትካል ግብረ ሰናይ ቆይሙ ኣሎ።
እዚ ትካልዚ ናብ ዝኾነ ይኹን መኽሰብ ወይ ጠቕሚ ዘተኮረ ዘይኮነ ኣብ ስዊዝ ንግዳዊ መዝገብ ዝተመዝገበ ኣብ ትሕቲ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣናት ንጥፈታቱ ዘካይድ ትካልዩ።
ኣብ ስራሕ ዝጸንሑሉ ጊዜ ዝተወሰነ ኣይካነን።
ዓንቀጽ 2
ቀንዲ ቦታ፡ ቤት ጽሕፈት ትካል
ቀንዲ ቦታ ቤት ጽሕፈት ትካል፡ ኣብ ከተማ ጀነቭ ሃገረ ስዊዘርላነድ ኮይኑ ዝኾነ ለውጢ ቀንዲ ቦታ ቤት ጽሕፈት ብፍቓድ ተቆጻጸርቲ ትካል ይግበር።

ዓንቀጽ 3
ዕላማ ትካል (ተልእኮ-ራእይ)
ዕላማ ናይዚ ግብረ ሰናይ’ዚ ተሃድሶን ትንሳኤን ናይ ገዳማት ማህደረ ፈለስትን ደናግልን ማህደረ መነኮሳትን ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን እዩ።
ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወፍሪ ርእሰ ማሉ ዝረክብ አታዊ ንመነኮሳት ናይ ገዳማት ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝርከቡ መነኮሳትን ውን ክሕግዝ ይክአል አዩ።  ንቤተ ክህነትን ቤተ ክርስቲያናትን ዝርከቡ ካብ ወሎዶ ዝተማሓላለፈ ግቡኣቶም ዝፍጽሙ ንዕላማታታ ትካል ዘገልግሉ ከም ጻምኦም ይህብ።
ትካል ግብረ ሰናይ ኣብዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ጽፍሕታታ ተወዳዲሮም ጸብለልታ ዘርኢዩ ተወዳደርቲ ሽልማትን ብልጫን የበርክት።
ሀ/ ኣብ ስብከት
ነቲ/ታ ጸብለልታ ዘርኣየ/ት ሰባኺ/ት ወንጌል መነኮስ ወይ ድንግል ኣብ ማህደረ ድንግልናን ማህደረ መነኮሳትን ወይ ቤተ ክህነትን ዓድን ቤት ትምህርቲ ሃይማኖትን አብ መንፈሳዊ ስብከቶምን ተግባራቶምን ንነገራዊ ድልየት ህዝቢ ዘርዊ ውጽኢትን ጠቅምን ኣብ ጽፍሕታት
1.   ትምህርቲ
2.   ከባቢ ምዕቃብን ምክልኻልን
3.   ቃልሲ ኣንጻር ኤች ኣይቪን ኤይድስን
ለ/ ኣብ ጥዕና
-     ኣብ ያትዊ ሕክምና ኣቑጽልቲ ብምጥቃም ፍውሲ ዘካይድ ጸብለልታ ዘርኣየን ኣብ መንጎ ነበርቲ ከባብን ማሕበረ ኮምን ኣድናቖትን ተቕባልነትን ዘጥረየ
-     ነታ ኣብ ዓዲ ንዝሓርሳ ጸገም ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ ክእለታ ኣወፍያ ረድኤት ተበርክት ጸብለልታ ዘመስከረት መሕረሲት


ሐ/ ኣብ ትምህርቲ
-     ፊደላት ላቲን ብምትእትታው ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምህደረ መነኮሳትን ደናግልን ጻዕሪ ዘካየደን መለክዒ ኣገባብ መበቆላዊ ትምህርቲ ዘተኣታተወ
-     ያረዳዊ ትምህርቲ መዚቃን ዜማታትን ኣብ ህዝቢ ስርጸት ከምዝረክብ ዝገበረ ብፍላይ ብደቂ ኦንስትዮ ዝዝየም ዜማ (ኳየር) ዘማዕብል
-     ኣብ ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕ ፍሎይ ጻዕሪ ዘካይዱ ሰባት
መ/ ስፖርት
ብልጫ ነቲ ንመንእሰያት ተመሃሮ ቤተክርስቲያን ኣብ ትምህርቲ ንጥፈታታ ምውስዋስ ኣካል ኣትሌትክስ ጸብለልታ ዘርኣየ ብፍላይ ኣብ ቅድድም ማራቶን
ረ/ ድርሰት
ብልጫ ነቲ ዝበለፈ ጸሓፊ ታራክ ናይ መበል 19 ክፍለ ዘመን ቅድመ መግዛእታዊ ዘመን ኤርትራ ምንጩ ኣፈ ታሪክ ዝኾነ ዛንታ ዝደረሰ።
እቶም ዝቐርቡ ተወዳደርቲ ውጽኢቶም ማዕረ ምስ ዝኸውን እቲ ዝወሃብ ብልጫ ወይ ሽልማት ከምዝካፈልዎ ይኸወን ኣብ ገምጋም ወይ ሚዛን ናይ ዝቐርብ ስራሕ ትሕዝቶኡ እምበር ካልእ ረቋሒ ከም ሃይማኖት ዜግነት ጾተ ኣብ ግምት ኣይኣቱን ኣቅራቢ ወይ ተወዳዳሪ ዘግነቱ ኤርትራዊ ምከኑ ግድነት ኣይኮነን። መጠን ዝወሃብ ብልጫ ወይ ሽልማት ንኩሎም ጽፍሕታት ወይ ዓይነት ውድድር መጠኑ ሓደ ይኸውን
ዓንቀጽ 4
እቴት መካየዲ ስራሕ
እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ቀንዲ መሳርሒ እቶቱ ካብ ወፍሪ ርእሰ ማሉ ዝረክብ እቶቶ እኸዉን

ዓንቀጽ 5
ርእሰ ማልን ምንጪ ሃብትን
መበገሲ ርእሰ ማል ትካል ግብረ ሰናይ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ስዊስ ፍራንክ ኮይኑ ካብ መስራቲ ዝተረኽበ መበገሲ ኢዩ። እቲ ርእሰ ማል ኣብ ዝኾነ ግዜ በዞም ዝስዕቡ ምንጭታት ክበራኸት ይኽእል፡-
1.   ካብ ተወሳኺ ህያብ መስራቲ ወይ ዝኮነ ይኩን ካልእ ኣካል
2.   ካብ ዝተዋፈር ርእሰ ማል ትካል ግብረ ሰናይ ዝርከብ እቶት
ዓንቀጽ 6
ቤት ምኽሪ ትካል ግብረ ሰናይ
ቤት ምኽሪ ትካል ግብረ ሰናይ ባዕሉ ንባዕሉ ዝቆመ ኣካል ይኸውን። ኣብ ከክልተ ዓመት ኣቦመንበርን ተሓዝ ገንዘብን ጸሓፍን ይመርጽ። ተሓዝ ገንዘብን ጸሓፍን ኣባላት ኣማኸርቲ ክኮኑ ይኽእሉ። ኣብ መጻኢ ከም ኣባል ምናልባት ምክትል ኣቦመንበር ክህልዎ ይኽእል ይኸውን።
ምምሕዳር ትካል ግብረ ሰናይ ብቤት ምኽርን ብብልጫ ወሃቢ ሽማግለን ኣብ ኤርትራ ዝተወሰነ ይኸውን። ብልጫ ወሃቢ ሽማግለ ካብ ትካል ግብረ ሰናይ ይካየድ ኣብ ዓንቀጽ 3ን 4ን ከምዝተገልጸ።
ዓንቀጽ 7
ኣቃውማ ኣማኸርቲ
ኣብ መጀመሪያ ኣማኸርቲ ግብረ ሰናይ ቁጽሮም ትሽዓተ ንክልተ ዓመት ዝጸንሑ ኮይኖም ብመስራቲ ትካል ግብረ ሰናይ ዝተመርጹ ይኾኑ ኣብ መጻኢ ግዜ ግን ባዕላቶም ንባዕላቶም ብመስራቲ ኣቦ መንበርነት ወይ ብኡኡ ዝተመዘዘ ሰብ ባዕላቶም ንባዕላቶም ይምረጹ። ኣባልነት ኣብ ከክልተ ዓመት ዝሕደስ ይኸውን።
   3. ቤት ምኽሪ ትካል ግብረ ሰናይ
ኣቶ ኣሉላ ገብረኪዳን ጎደፋ ተቐማጢ ከተማ ጀነቫ ክንቶን ጀነቨ ሃገር ስዊዘርላንድ ናይ መጀመርያ (ፈላሚ) ኣቦ መንበር ትካል ግብረ ሰናይ እዮም።
4.  ካብ ግብሪ ነጻ ምኻንን ተቆጻጻሪ አካለን
1.   እቶት ትካል ግብረ ሰናይ ካብ ግብሪ ነጻ ምኾኑ ብዓንቀጽ 9.1 ብሕጊ ከተማ ጀነብ መሰረት አብ ንጥፈታት ትካል ግብረ ሰናይ ዝውዕሉ ርእስ ማልን እቶትን ካብ ቀረጽ ነጻ አዮም። ብተመሳሳሊ መንገዲ አቲ ትካል ካብ ፈደራል ግብሪውን ብዓንቀጽ 56 ጅ መሰረት ነጻ እዩ።
2.   ካብ ምትሕልላፍ ግብሪ ነጻ  ምኻኑ
ብመሰረት ዓንቀጽ 111.2 ናይ ሓፈሻዊ ሕጊ ብህዝቢ ንግብረ ሰናይ ዝግበር ኣበርክቶ ኣቲ መበገሲ ርእሰ ማል ትካል ካብ ግብሪ ነጻ ይኸውን።
ዓንቀጽ 8
ብለጫን ሽልማታትን ትካል ግብረ ሰናይ ኣቕራቢ ሽማግለ
ሓደ ብልጫን ሽልማታት ትካል ግብረ ሰናይ ኣቕራቢ ሽማግለ ከም ጨንፈር ቤት ምኽሪ ትካል ግብረ ሰናይ ጀነቭ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ይቐውም ንጥፈታቱ ብመሰረት ሕጊ ሃገር ይቕየድ።
ዓንቀጽ 9
ቤት ጽሕፈት ብልጫን ሽልማታትን ትካል ግብረ ሰናይ ኣቕራቢ ሽማግለ ኣብ ማህደረ መነኮሳት ኣብነ ብጽዕ-ኣምላኽ ኣብ ንኡስ ምምሕዳር ሮብራን ወይ  ኣብ ንኡስ እገላ ሓመስ ኣብ ኤርትራ ይኸውን
አንቀጽ 10
ዕማማት ብልጫን ሽልማታታን ኣቕራቢ ሽማግለ
ዕማማት ብልጫን ሽልማታታን ኣቕራቢ ሽማግለ ኦብ ዓንቀፅ 19 መሰረት እዞም ዘስዕቡ እዮም
1.   ስራ-ሓውትን ዕማማትን ኣባላቱ ምምዳብ
2.   ብሕጋጋት ዝተደንገጉ ውሳነታታ ምትግባር
3.   ንመነኮሳትን ደናግልን ውሉደ ክህነትን ዝወሃብ ንዋት ብዕላማታታ ግብረ ሰናይ ምቕባል።
4.   ንሳ ዘቕረበቶ ኣብ ቤት ምኽሪ ምስ ጸደቐ ይትግበር።
ኣብ መፈጸምታ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እቲ ብልጫን ሽልማታታን ኣቕራቢ ሽማግለ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ሕሳባትን ጠቕላላ ጸብጻብ ንጥፈታቱን ናይቲ ዓመት ንቤት ምኽሪ ትካል ግብረ ሰናይ ገብረኪዳን ጎደስ  የቕርብ።
አንቀጽ 11
ኣቃውማ ብልጫን ሽልማታትን ኣቕራቢ ሽማግለ
ኣባላት ብ.ሽ.ወ.ሽ. 13 ኮይኖም ኣብ ከክልት ዓመት ዝሕደስ ብቤት ምኽሪ ትካለ ግብረ ሰናይ መዝነቶም ዝጸደቐ ክከውን ኦለዎ።
ኣቃውምኦም ቀጺሉ ዝስዕብ ይኸውን፡-
1.   መስራቲ ንምሉእ ዕድመኦም ኣባል ኮይኖም ናይ ድምጺ ብድምጺ ምስዓር መሰል ኣለዎም
2.   ሓደ ኣባል ብግድነት ኤርትራዊ ኪከውን ኣለዎ
3.   ሓሓደ አባል ካብቶም ገዳማት ኪከውን ኣለዎ
4.   ርእስ ካህናት ናይ ኤርትራ ክህሉ ኣለውዎ
5.   ሓላፊ ደብርታት ክህሉ ኣለዎ
6.   አምባሳደር ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ይኸውን ንሱ ወኪል ካብ ኤምባሲ ክስድድ ይኽእል
አባልነት ናይ ብልጫን ሽልማታትን ኦቕራቢ ሽማግለ ብወለንታ እምበር ብኽፍሊት ኣይኮነን።
ኣብ ከከልተ ዓመት እቲ ሽማግለ ኦብ መንጎ አባላቱ እዞም ዝስዕቡ ይምረጽ
-     ሓደ ኘረሲደንት
-     ሓደ ጸሓፊ
-     ሓደ ተሓዝ ገንዘብ

Saturday, April 12, 2014

ሆሳእና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ቁጽሪ 8 ሆሳእና መጋቢት /8 (2004/2012) .
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!

ትሕዝቶ፡ ሆሳእና ሰናይ ንባብ

ሆሳእና

ሆሳእና ኣብ ኣርያም
"ነብዩ ግና ብዘይ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ወጻኢኣይመውትን እዮሞ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕንንኢዮርሣሌም ክድይብ ይግበኣኒ እዩ። ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ።"
።ሉቃ.13፣-31-35።

ሆሳእና
ሻሙናይ ሰንበት ሆሳእና ይበሃል። እዚ ስም ዝረኸበሉ ምኽንያት ኣብ ዕለት ሰንበትን ዋዜማኡን ዝዝመር ጾመ ዱጓ <<ሆሳእና በአርያም>> ናይ ሆሣእና ቃል ብተደጋጋሚ እንዳተጠቕሰ ስለዝዝመር እዩ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነን እንዳተዘመረሉን ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ጻዕብ ኣድጊን ተወጢሒ ካብ ከባቢ ደብረዘይቲ ናብ ኢዮርሳሌም ከተማ ብኽብሪ ዝኣተወሉ ኩነታት እንዳተረኸ ስለዝዝመር ብምዃኑን፡ ከምኡ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጐይትነቱ ክብሪ ብውዳሴን ቅዳሴን ሆሳእና ኣብ ኣርያም እንዳተባህለሉ ብኣፈ ዓበይቲን ህጻናትን ዋላውን ኣእማን ከይተረፉ ልሳን ኣውጺኦም እንዳመስገንዎ ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ገልገላ ኣድግን ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታው ስለዝገልጽ እዩ። ማቴ 211-17 ማር. 1-10 ሉቃ. 1929-38 ዮሓ. 1212-15 ዘካ. 913 2ይነገ. 913 መዝ. 117(118)25-26 ኢሳ.567 ኤር. 712 መዝ.82 እዚኣቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ብዛዕባ ሆሳእና ዝተነግረ ትንቢትን ተፈጻምነቱን ይነግሩና።
ሆሳእና ኣብ ኣርያም
ሆሳእና
ዮሓ.1215 ,<< ከምቲ ኣንቲ ጓል ጽዮን ኣይትፍርሂ እንሆ ንጉሥኪ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑይመጽእ ኣሎ>> ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ኣምላኽናን ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጻዕብ ኣድጊተወጢሑ መጸ። ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጽኡ 1400 ዓመታት ኣቀዲሙእግዚአብሔር ብእምነት ኣብርሃም ናይ ቃልኪዳን ሕዝቡ ዝገብሮም እስራኤላውያን ካብቲ ጽኑዕ ባርነትኣውጺኡ መዓልቲ ብደመና ለይቲ ብዓምደ ብርሃን እንዳመርሐ ኣብታ ናይ መራኸቢት ድንኳን ሓዲሩ እሱንጉሦም ኮይኑ ንሶም ድማ ህዝቡ ኮይኖም ኣብቲ ምድረበዳ እንዳመርሐ ናብ ናይ ተስፋ ምድሪ (ምድረርስቲ) ከንኣን ኣእቲዎም። እስራኤላውያን ግና ምድራዊ ንጉሥ ብምድላይ ንንጉሦም እግዚአብሔር ብምግዳፍንእግዚአብሔር በደሉ። ኣብ ምድሪ ብዘላ ናይ መንግሥቱ መርኣያን ኣብነትን ንክኾኑ ዝመረጾም ህዝቢምድራዊ ንጉሥ ደልዮም። እቲ ምልኩዕ ዝኾነ ሳኦል'ውን እስራኤል ዝመረጽዎ ምድራዊ ንጉሥ ግዳማዊክብሪ ዘለዉ ንጉሥ ምዃኑ ጥራሕ ኮይኑ ተረፈ። እግዚአብሔር ግና ካብዛ ዓለም ዘይኮነት ብሰብ ዝሰርሖመመልክዒ ዘይመልክዐት፣ ናይ ትሕትናን ፍቕርን ምስጋናን ዝኾነት መንግሥቲ ከርእዮም ምእንቲ ካብ ኣሕዋቱዝነኣሰ በዓል በገና ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ወዲ እሰይ መሪጹ። ናይ ዳዊት መንግሥቲ ዋላ እንተሓለፈት <<እግዚአብሔር ንዳዊት ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ።>>መዝ.13211 ዝበሎቃልኪዳን ግን ኣይሓለፈን ስለዚ ብኣምኽነቱ ናይ ዘልዓለም ናይ ነገሥታት ንጉሥ ዝኾነ ወልደእግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ሰብ ምስ ኮነ ተስፋ ኣበው ተስፋ ዳዊት ተፈጺሙ።ብመለኮታዊ ሥልጣኑ ኣብ ናይ እግዚአብሔር እሪና ዘሎ ወልደ እግዚአብሔር ወዲ ዳዊት ኮይኑ ትንቢትተፈጺሙ። ስለዚ እዩ ከኣ መልኣኩ ቅዱስ ገብርኤል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከበሥራ ከሎ <<ካባኺ ዝውለድ ወዲ ልዑል እግዚአብሔር ክበሃል እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ  ድማ  ዝፋንኣቡኡ ዳዊት ዙፋን ክህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለዓለም ክነግሥ እዩ። መንግሥቱ ከኣመወዳእታ የብሉን።>> ብምባል ናይ ትንቢት ፍጻሜ ኣበሲሩ። ሉቃ.126-38
 
ንጉሥነ ክርስቶስ
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ሰብአ ሰገል << እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይኣሎ።>> ማቴ.22 ብምባል ንጉሥነቱ ገሊጾም እዮም። ኮይኑ ግና ብምድራዊ ክብሪ ዘጊጸ ዘይኮነ ኣብናይ መብሎዒ ማል ዝደቀሰ፣ ብጓሶትን ግዑዛን እንስሳ ዘቤት ዝተኸበበ ትሑት ንጉሥ እዩ። መንግሥቱምድራዊት ዘይኮነት ዘልዓለማዊት ካብ ሰማያት  ስለዝኾነት መላእኽቲ ብዝማሬ ኣመስገንዎ። ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘልዓለማዊ ንጉሥ፣ንጉሠ ነገሥት እዩ። እዚኣ መንግሥቱ ምድራዊ ክብሪ ዘይኮነትብትሕትናን ፍቅርን ዝማዕረገት ሰማያዊት ስለዝኾነት ብሓሳቦም ምድራውያን ዝኾኑ ሰባት ክፈልጥዋኣይከኣሉን። ስለዚ እታ ናይ ቆጸራ መዓልቲ ምሰ በጽሐት ሰማያዊትን መንፈሳዊትን መንግሥቱ ኣብልዕሊ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ገሊጽዋ። << ሆሳእና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ እስራኤል ብሩኽእዩ።>> ዮሓ.1213 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ናይመጨረሻ ድራር ድሕሪ ምብልዑ ንሓዋርያት ሊኢኹ ጻዕብ ኣድጊ ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊኣ ተቀሚጡ ናብኢዮርሳሌም ኣተወ። ኣብቲ እዋን'ውን እዞም ዝስዕቡ ተገሊጾም፣-

1. መንግሥቱ ናይ ትሕትናን ናይ ፍቓድን ምዃና
ኣድጊ ካብ ኩሉ እንስሳ ዘይተፍርሕ እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ከም ናይ ነገሥታትሥርዓት ብዝኸበረ ሠረገላን ፈረስን ዘይኮነ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ መንግሥቱናይ ትሕትና ምዃኑ ኩሉ ሰብ ተገዲዱን ፈሪሑን ዘይኮነ ብፍቓዱ ዝኣትዎ ምዃኑ ንኸረድእን ንኸርእይንእዩ። ኣብ ልዕሊ ኣድጊ ተወጢሕካ ንሰብ ጎይኻ ንምሓዝ እንኳን ኣይከኣልን እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ወዝቢዝመጸ ዘይኮነ ነብያት ብትንቢት ዝተዛረብሉን ኣብ ጉዕዞ ነገረ ድኅነት ብእግዚአብሔር ዝተሓስበ እዩ።ነብዩ ዘካርያስ <<ኣንቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጎሲ ኣንቲ ጓል ኢዮርሣሌም እልል በሊ። እንሆ ንጉሥኪ ንሱጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።>> ዘካ.99።ብምባል ገሊጽዎ እዩ።

2.  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸሉ ዕላማ ንድኅነት እምበርንኽብሪ ዘይምዃኑ
እስራኤላውያን በዓለ ፋሲካ ቅድሚ ምኽባሮም ኣቀዲሞም ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብዚ ዕለት ንበዓልፋሲካ ዝኸውን ገንሸል ሒዞም ናብ ኢዮርሳሌም ይኣትዉ ኔሮም። ዘጻ.121-36 ጐይታና መድኃኒናኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዕለት ናብ ኢዮርሳሌም ምምጽኡ ናይ መንግሥቱ ምሥጢር ብመስቀልን ብፍቕሪመሥዋእትነት፣ ዝገልጽ ናይ እግዚአብሔር በጊዕ ምዃኑ ንኸረድእ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰናይ ዘካርያስ ትንቢት <<እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣>>ዝብል ጐይታና መድኃኒናኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ ኮይኑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ ንኽምስገን ሓሲቡ ዘይኮነ ክቕበልዎ ምእንቲንዓለም ከድኅን ዝመጸ ንጉሥ እሱ ምዃኑ ኣብ ኣደባባይ ንኽእውጅ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ምስጋና ካብ ኣፈህጻናት ዝተቀበለ፣ ህጻናት ንኹሉ ስለዝቅበሉ። ነዚ እዩ ከኣ << ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኮይኑዘይተቀበላ ከቶ ከም ዘይኣትዋ ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ። >>ዝበለ።ሉቃ.1817 ናይ ድኅነት ተስፋዝተነግረሎም እስራኤል ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን፣ ዝመጻላ ዕላማ እዚ ስለዝነበረ ብዛዕብኦም ከኣ ከምዚ ኢሉበኸየ። << ምስ ቀረበን ነታ ከተማ ምስ ረኣያን ከምዚ ኢሉ በኸየላ። ኣየ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ ሕጂ ግና ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።>>ሉቃ.1941 ዝመጻሉ ዕላማ ንዓለምሰላም ዝህብ ምስ ( ንእግዚአብሔርን ሰብን  ዘተዓርቅ) መድኅን ንጉሠ ሰላም፣ በጊዕ ፋሲካና ምዃኑንኽእውጅ እዩ ኔሩ ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን ግና በኸየሎም። << ሆሳእና ማለት ሕጂ ኣድኅን >>
ማለት እዩ። መድኅን ምዃኑ ክቅበልዎ ይግባእ ኔሩ ግና ኣይተቀበልዎን። ንጉሥን መድኃኒን ምዃኑ ምግላጹ፣መንግሥቱ ናይ ፍቕሪ ምዃና ዙፋኑውን መስቀል ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። እቲ በጊዕ << ናይ ነገሥታትንጉሥ ናይ ጐይቶት ጐይታ ስለዝኾነ >> ራእ.1913-16

ናይ ሆሳእና ኣከባብራ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና
ቅድስቲ ቤተክርስቲያና በዓለ ሆሳእና ብዓቢ ድምቀትን ክብርን እያ ተኽብሮ። ኣከባብራና ከኣ ከም ኣይሁድ፣ሰንበት ሆሳእና ብእግዚአብሔር ስም ዝመጸት ናይ  ኣቦና ዳዊት መንግሥቲ ዝተባረኸት እያ። ሆሳእና ኣብኣርያም ድሕሪ ምባሎም ኣብ ዕለት ዓርቢ << ስቀልዎ ይሰቀል >> ብምባል ዘይኮነ ስጋብ መጨረሻ ምስጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃን እዩ። እዚ ከኣ ብተግባር ዝርኣዩ መንፈሳዊ ሥርዓትቤተክርስቲያና ምስክር ኮይኖም ዝግለጹ እዮም እሶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣-

ዑደት
ብናይ ቤተክርስቲያና ሥርዓት መሠረት ንግሆ ዕለተ ሆሳእና ቅዳሴ ቅድሚ ምእታዉ ዑደት ይግበር። እቲዑደትውን ካብ ቤተመቅደስ ተጀሚሩ፣ ብኣርባዕተ ኆኃተ (ማዕጾ) ቤተክርስቲያን  ምስባክ እንዳተሰበከወንጌል እንዳተነበበ ድሕሪ ምዛር ኣብ መጨረሻ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ቤተ መቅደሱ ምስ ተመልሱይውዳእ። እቲ ዑደት ዲያቆናት መስቀልን ስእለ ማርያም ሒዞም ካህን ማእጠንት እንዳዓጠነ ይመርሕዎ።
እዚ ዑደት ናይ ቤተክርስቲያን ዘልዓለማዊ ጉዕዞኣ እዩ። ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ካብ እግዚአብሔርይጅምር። ክርስትና ናይ እግዚአብሔር ጅማሪ እምበር ናይ ሰብ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዚ ዑደት ካብመሰውኢ ይጅምር፣ መሰውኢ ሰማያዊ ስለዝኾነ። ናይዚ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ መራሒ ንህዝቡ ናብእግዚአብሔር መሪሑ ዘብጽሐ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ካህን ዕጣን እንዳዓጠነ ይመርሕ።እዚ ጉዕዞ መከራ ዘለዎ እቲ መገዱ ዋላ ጸቢብ እንተኾነ ብደስታ (ብሓጎስ) ዝተመልአ እዩ። ሰለዚዲያቆን መስቀል ክሕዝ ህዝቢ ድማ ይዝምሩ። ደስታን መስቀልን ብሓንሳብ ንምግላጽ እዩ። ናይዚ ጉዕዞፍጹም ኣብነት ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ። ክልቲኡ ስለ ተርእይ። ብሓደ ወገን <<ኃዘን ብልባ ዝሓለፈ >> ስለዝኾነ ብኻልእ ወገን ድማ  << ተአብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ወትተሐሰይመንፈስየ >> ኢላ ዘሚራ እያ። ዑደት ብወገን ምዕራብ ኆኃተ (ማዕጾ)  (በቲ ቀንዲ ማዕጾ) ምጅማሩንኣብ ነፍሲ ወከፍ ኆኃተ (ማዕጾ) ደው ምባሎምን ናይ  ዘልዓለም ኆኃተ (ማዕጾ) ምኽፋቶምንሰማያውያን ናይ ጉዕዞና ( ናይ ማኅበርና ) ተኻፈልቲ ምዃኖም ንምሕባር እዩ።
ኣብ መጨረሻ ዑደት ካህናት ናብ ቤተመቅደስ ምስ ኣተዉ ይፍጸም። ናይ ክርስትና ጉዕዞና ምስእግዚአብሔር ሓቢርና ንዘልዓለም ብምንባር ምፍጻሙ የርእየና። በዚ ጉዕዝኣ ቤተክርክስቲያን ስጋብ መጨረሻምስ ክርስቶስ ዝጸንዕ ዘልዓለማዊ ጉዕዝኣ ትነግር።

ቅዳሴ
ድሕሪ ዑደት ቅዳሴ ይቅጽል። ኣብ ቅዳሴ’ውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡንክቡር ደሙን ንቅበል በዚ ከኣ ምስ ክርስቶስ ዘለና ዘየቋርጽ ሓድነትና ንገልጽ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስክርስቶስ ናብ ኢዮርሳሌም ክኣቱ ከሎ << ናብ ኢዮርሳሌም ንድይብ ኣለና፣ እቲ ብዛዕባ ወዲሰብ ኣብነብያት እተጻሕፈ ኩሉ ከኣ ኪፍጸም እዩ። ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ ኬላግጹሉ ክጸርፍዎ ጡፍውንክብሉሉ፣ ገሪፎም ድማ ክቐትልዎ እዮም፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ'ውን ክትንሥእ እዩ።  በሎም >> ሉቃ.18፣31። ከምዚበለና ናይ ኢዮርሳሌም ጉዕዞኡ ናብ ሞት ዝተገብረ ጉዕዞ እዩ ኔሩ። ስለዚ ብሥጋወደሙ ምስ ክርስቶስ ሓደ ዝኾና ምእመናን ምስኡ ናብ ሞት ንኸይድ።

ፍትሓት
ድሕሪ ቅዳሴ ፍትሓት ይግበር። እዚ ከኣ ንኽሉ ህዝቢ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት እዚ ፍትሓት ምናልባት ኣብዚሰሙን ዝሞቱ እንድሕር ሃልዮም ንዕዖም እዩ ዝግበር ተባሂሉ ይዛረብ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ፍትሓትንኹሎም ክርስቲያንውን እዩ። ኣብዚ ሰሙን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤንምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓቢርና ሞቱን ትንሣኤኡን ንካፈል ኢና። ሰብነትና ብጸሎትን ብስግደትን ንዓለማዊፍቃድና ኩሉ ቀቲልና ብናቱ ትንሣኤ፣ ትንሣኤ ልቦና ንትንሥእ። እዚ ከኣ ከምቲ ንመነኮሳት ዝግበረሎምፍትሓት ዓይነት ማለት እዩ። መነኮሳት ክምንኩሱ ከለዉ ነዚኣ ዓለም ዝመቱ ምዃኖም ናይ ክርስቶስ መስቀልምስካሞም ንምርኣይ ናይ ሙታን ጸሎት ከም ዝግበረሎም፣ ምእመናንውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስክርስቶስ መስቀል ብምስካም መከራ ብምቅባል ንዓለም ክሞቱ ብምውሳን ቤተክርስቲያን ናይ ሙታን ጸሎትትገብር። በዚ'ውን ሓቢርና ናብ  ሞቱ ንስዕቦ።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።